top of page

ሰላም

        ስመይ ኦርሊ መለሰ ይበሃል። ኣብ ትግራይ ተወሊደ ኣብ እስራኤል ዝዓበኹን ዝነብርን ትግራወይቲ እየ። ከም ደራሲት፣ ኣፍራይትን ኣላይትን ፊልሚ ኮይነ ከኣ ይነጥፍ (M.A / B.F.A)። Malessa Film Productions ዝበሃል ትካል መፍረ ፊልሚ ከኣ ይውንን።

ዋላ እኳ ኣብ ድያስፖራ ዝዓበኹን ዝነብርን እንተኾንኩ፣ ፍቕሪ ዓደይን ህዝበይን ካብ ግዜ ንእስነተይ ኣትሒዙ ምሳይ ዝዓበየ እዩ። ካብ ገዛይ ዝሰነቕክዎ ፍቕሪ ፣ ታሪኽ ህዝበይ ክፈልጥ፣ ቋንቁኡ ክመሃር፣ ታሪኽ ገድሉን ወፅዕኡን ክፈልጥን ገዲዱኒ።  

ገድሊ ህዝቢ ትግራይ መዘና ዘይብሉ ታሪኽ ከም ምዃኑ መጠን፣ በቲ ዘለኒ ሞያዊ ዓቕሚ ተጠቒመ ታሪኹ ክነግርን ክስንድን ሓላፍነተይ ምዃኑ ብምርዳእ ነዛ ትቐርበልኩም ዘላ “ፍቅሪ ገድሊ” ዘርእስታ ፊልሚ ኣፍርየ ፣ ንዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ ስለዝኾነ።

ድሕሪ ናይ ዓመታት ትፅቢት ናብ ህዝባ ዘረክበላ ዘለኹ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፣ ከም ስነ ጥበባዊት ነዚ ሕጂ ኣጋጢሙና ዘሎ መከራን ወፍሪ ምፅናት ዘርእን በቲ ዘለኒ ሞያዊ ዓቕሚ ክስንድን ክትርኽን ኣብ ምድላው ስለ ዘለኹ፣ ንዝቐደመ ስራሕ ናብ ህዝበይ ከረክብ ኣለኒ ብዝብል እምነት እዩ። ዝከኣለኩም ደገፍ ከምእትገብሩላ ከኣ ልባዊ እምነተይ እዩ። ስነ ጥበብ ብዘይ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ዝህቦ ትርጉም ስለ ዘይብሉ፣ ዘዝግበኣና ሸኽሚ ብምልዓል ንዕብየት ህዝብናን ምስናድ ታሪኽናን ብልዑል ተገዳስነት ክንብገስ ይግባእ።

 

ፊልሚ “ፍቕሪ ገድሊ” ብዓለምለኻዊ መዐቀኒታት ፊልሚ ደረጅኣ ዝሓለወትን፣ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ትግራይ ዝተሰርሐት ልቢ ወለዳዊት ድራማ እያ። ኣብ እዋን ምድምሳስ ስርዓት ደርጊ ዝነበረ ገድሊ ምስ ፍቕሪ ኣጣሚራ እተዘንቱ ፊልም እያ። ይኹን እምበር እቲ ናይ ፀላእትና ኣተሓሳስባ ከይተቐየረ ብምፅንሑ ታሪኽ ይድገም ብምህላዉ፣ ነዚ ሕጂ ታሪኽ ኣያታቱ ዝደግም ዘሎ ጅግና መንእሰይ ትግራይ ብቐጥታ ትምልከቶን እዋናዊትን ይገብራ።    

ፊልሚ “ፍቕሪ ገድሊ” ብዝተፈላለየ ምኽንያታትን ድኽመታትን ምስ ህዝቢ ክትራኸብ ኣይከኣለትን

ሕጂ ግን ምስ ህዝባ ብምትሕብባር ናብ ነፍሲ ወከፍ ገዛን ልቢ ትግራዋይን ንክትኣቱ ሓገዝኩም ከምዝይፍለየኒ ልባዊ እምነተይ እዩ።

እዚ ካባኹም ዝሕተት ዘሎ ኣበርክቶ ናይ ኦን ላይን ቲኬት ብምግዛእ(ዋጋ 25 USD) ናብ ተመዲቡ ዘሎ 10,000 ቲኬት ንምብፃሕ ክትረባረቡ እዩ። እዚ ተመዲቡ ዘሎ ሽቶ ምስ ተበፅሐ ከኣ፣ “ፍቕሪ ገድሊ” ብዝተፈላለዩ ማሕበራውያን መራኸቢታት ክትዝርጋሕ እያ፣ብድሕሪኡ ክሳብ ዝደለኽሞ ግዜ ደጋጊምኩም ክትርእዩዋ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ኣብ ቀረባ ንምግባር፣ ዕዩ ናብ ግዱሳት ኣዕሩኽን ቤተሰብን ኣባፅሕዎ (Share ግበርዎ)።

“ፍቕሪ ገድሊ” ካብ እትስራሕ ዝኾነ ኣታዊ ስለ ዘይገበረት፣ 80 ሚእታዊት ካብቲ ቀዲሙ ዝርከብ ኣታዊ ንምሽፋን ወፃኢታት ናይታ ፊልሚ ዝውዕል ኮይኑ፣ እቲ 10 ሚእታዊት ንሓገዝ ወገናትና ኣብ ትግራይ፣ እቲ ዝተረፈ 10 ሚእታዊት ከኣ ኣብ ገድሊ ንዝተሳተፉን ዝሳተፉ ዘለዉን ስነጥበባውያን ትግራይ ሓደሸቲ ድርሰታት ንኽፅሕፉ ንመተባብዒ ዝውዕል እዩ።

 

እዛ ፊልሚ እዚኣ ክውንቲ ንኽትከውንን ሕልምታተይ ንከግህድን ዝሓገዘኒ፡ ብፍሉይ ምስጋና ክጠቕሶ ዝደሊ፡በዓል ሰፊሕ ልቦና መሻርኽተይ። ሕሉፍ ለጋስ ሰብ፡ ዓለምና ንዝመጹ ወለዶታት ዝሓሸት ንኽትከውን፡ ህይወቱን ዕድላቱን ዝወፈየ።ብምቕጻል ብብዙሕ መንገድታት ንዝደገፉኒ ስድራይን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ፈተውትን ኣዕሩኽን ከመስግን እደሊ። ንስኻትኩም ብዝሃብኩምኒ ሓይሊን ምትብባዕን እየ ንኣብ መንገደይ ዝነበሩ ዕንቅፋታት ክሰግር ዝኸኣልኩ። 

ንኩልኹም በጻሕቲ ናይዚ ገጽ፡ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ጻዕሪ እዚ ብተግባር ድጋፍኩም ንዘርኣኹም ኣቐዲመ ከመስግን እፈቱ።

 

በዛ ፊልመይ ከም እትሕጎሱን ከምእትኾርዑን በዓልቲ ምሉእ እምነት እየ።

ንእትገብርዎ ደገፍ ኣቐዲመ ብልቢ የመስግን፣ የቐንየለይ፣ ትግራይ ትስዕር!!!

 

bottom of page